TRENDING NEWS
Back to news
29 Jun, 2025
Share:
ቻምፕዮን ኤርትራ 2025፡ ዓይንኻ ዘየኽድን ተሃራፊ ጸወታ
@Source: jeberti.com
ቢንያም ግርማይ ዓሚ ቅድሚ ናብ ዙር ፈረንሳ ምቕንዑ ኣብ ድሮ ቻምፕዮን ኤርትራ ንኤሪ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ክትዕወት ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ ይቐልል፡" ኢሉ ነይሩ። ከምቲ ዝበሎ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ከይከኣለ ናብ ዙር ፈረንሳ ብምዃድ ግን ሰለስተ መድረኻት ተዓዊቱ ጥራሕ ዘይኰነ ወናኒ ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ፍሉይ ታሪኽ ሰኒዱ። ክብደት ጸወታ ቻምፕዮን ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ እዩ። ኣቐዲምካ ዘይግመት፡ ኣዝዩ ተረርቲ ስኳቶታት ዝበዝሖ፡ ብዙሕ ካብ ግምት ወጻኢ ውጽኢት ዝምዝገበሉ ጸወታ። እቲ ካልእ ክስተት ቻምፕዮን ኤርትራ እቶም ህዝቢ ብመሳዅቲ ተለቪዥን ጥራሕ ዝርእዮም ከም ቢንያም፡ ናትናኤል፡ ሄኖክ፡ ኣማኑኤልን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ዘካይድዎ ውድድር ስለ ዝዀነ'ዩ። ጽባሕ ሰንበት 29 ሰነ 2025 ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ከኣ ኣስመራ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ንዝነገሱ ድያ ኣኽሊል ክትውስኽ፡ ዋላስ ሓድሽ ንጉስ'ያ ክትፈጥር ኵሉ ሃርር ኢሉ ዝጽበዮ ጸወታ'ዩ ክኸውን። ቻምፕዮን ኤርትራ 2025፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 15 ግዜኡ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ነዚ ውድድር ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሰለስተ ግዜ ብምዕዋት ጸብለል ክብል እንከሎ፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን ከክልተ ገዜ ብምዕዋት ዘውዲ እዚ ውድድር ደፊኦም። ቻምፕዮን ኤርትራ ሎሚ ዓመት ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ኤርትራ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ከረን ብናይ ጁንየር ናይ ጽርግያ ጀሚሩ፡ 25 ሰነ ኣብ ደቀምሓረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ድሕሪ ምክያድ፡ ትማሊ ዓርቢ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቤትገርግሽ ኣካይዱ። ጽባሕ ከኣ እቲ ብዙሕ ሰብ ዓመት ምሉእ ሃንቀው ዝበሎ ናይ ጽርግያ ውድድር ብምክያድ ክዛዘም'ዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድራት ምስ ዓበይቲ ዎርልድ ቱር፡ ኮንቲነንታል ጋንታታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ ትስፉዋት ተቐዳደምትን ዝወዳደርሉ ኰይኑ፡ ብኣግኡ መን ክዕወት ይኽእል ግምት ዘይትህበሉ ከቢድ ውድድር'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኵሉ ውድድራት ናይ ጽርግያ (ጁንየር ኢሊትን ትሕት 23 ዓመትን ናይ ክልቲኡ ጾታ) ኣብ ሓንቲ መዓልቲ'ዩ ዝካየድ ነይሩ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኵሉ ውድድራት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ናይ ጂንየር ኣቐዲሙ ኣብ ከረንን ደቀምሓረን ስለ ዝተኻየደ፡ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ክልተ ወርቂ መዳልያታት (ናይ ኢሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን) ንምውሳድ ሓንቲ ውድድር እያ ተሰሪዓ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይቲ እቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣከታቲሉ ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ክኸውን ዝኸኣለ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ንሄኖክ ምሉብርሃንን ንመዋእል ግርማይን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣማንኤል፡ ነቲ ዝተሰራዓሉ 36 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት 49.96 ኪሎሜተር እናዘወረ ንውድድሩ ብ43 ደቂቕ፡ 14 ካልኢትን 2 ንኡስን ካልኢትን'ዩ ዛዚምዎ። ብናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ 2025፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር 2024፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር 2023፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር 2022፡ ቢንያም ግርማይ 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ 2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን 2019: ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር 2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2017: መኽሰብ ደበሳይ 2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2014: ናትናኤል ብርሃነ 2013: መትከል ክፍላይ 2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ መስመር ዝተፈልየ ኰይኑ'ዩ ተሰሪዑ ዘሎ። ተቐዳደምቲ እታ ፍልልይ ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ግደ ዝነበራ ፎርቶ ኣይክድይብዋን'ዮም። ጸወታ ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ናብ ማይ ጭሆት ብምቅናዕ ኣብ ናይስ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ብጐደና ናቕፋ ኣቢሉ፡ ኪት ካት ምስ በጽሐ ብጐደና ሰገነይቲ ናብ ጃልያ ይወርድ፡ ንጐደና ኣባሓኒ ንሓጺር ብምርጋጽ ናብ ጐደና ዓምበርበብ ሒዙ ናብ መንግስታዊ ጋራጅ ይድይብ። ተቐዳደምቲ ንቤትጽሕፈት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንጸጋሞም ገዲፎን ናብ ሆቴል ከረን ይዕጸፉ፡ ኣብ እንዳ ካንዘን ምስ በጽሑ ናብ የማን ተጠውዮም ናብ ጐደና ሓርነት ይሕወሱ። ብሲቲ ፓርክ ኣቢሎም ናብ ጐደና ሰማእታት ብምእታው ክሳብ ናቕፋ ሃውስ በጺሒም ናብ ድሕሪት ይምለሱ፣ ኣብ ሽዳ ምስ በጽሑ ናብ የማን ብምጥዋይ ናብ ጐደና ብድሆ ብምሕዋስ ንዓቐበት ኢንሹራንስ ይድይቡ። ንጐደና ማርሳ ተኽላይ ትኽ ኢሎም ብምውራድ ንየማን ተጠውዮም ንዓቐበት ማይ ጃሕጃሕ ይድይቡ፣ ኣብ መስጊድ ገዛ ባንዳ ምስ በጽሑ ከኣ ንጸጋም ብምጥዋይ ብጐደና ኦምሓጀር ናብ ጐደና ዓንደለ ይጽንበሩ። ናብ ጋራጅ ዓንበርበብ ብምጻሕ ብቦውሊንግ ሓሊፎም፡ ናብ ሓወልቲ ፑሽኪን በጺሖም ንየማን ብዕጻፍ ናብ ጐደና ሓርነት ተጸንቢሮም ናብ ሜዳ ባሕሪ መስከረም ይሕወሱ። እዚኣ ሓንቲ ዙር ኰይና 10.3 ኪሎሜተር ትዝርጋሕ። ምንጪ ስእሊ,Getty Images መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዙር ፈረንሳ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኽኣለ ቢንያም ግርማይ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ልዑል ግምት ተዋሂብዎም ካብ ዘለዉ ተቐዳደምቲ'ዩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዋ ጋንታታት ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ፡ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ኰይኖም ብደረጃ ዓለም ዓቢይ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ'ዩ። ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ኣርባዕተ ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደራን ሓንቲ ኣብ ፕሮ ኮንቲነንታ እትወዳደርን ጋንታታት ብኤርትራውያን ኣባላተን ክውከላ'የን። ኣማኑኤል ግብረእግዝኣብሄር ካብ ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድል ትሬክ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጋንታ ሙቩስታር፡ ቢንያም ግርማይን መዋእል ግርማይን ካብ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ካብ ኣስታና ካዛኪስታን ከምኡ ከኣ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ስጳኛዊት ጋንታ ቡርጎስ ይርከብዎም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታታት ዝወዳደሩ'ውን ልዕሊ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ዳንጋይዶ ዳንጋኻ ክበሃሃሉ'ዮም። እዚኦም ድማ ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደሩ መትከል እዮብ፣ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ዝወዳደሩ ዳዊት የማነ፡ ዩኤል ሃብተኣብን ሚልክያስ ማእከለን፣ ካብ ቱርካዊት ጋንታ ኢስታንቡል ቡየክሺር ናትናኤል ብርሃንን ጴጥሮስ መንግስን፡ ምስ ጋንታ ጀይሲኤል ዝወዳደር ናሆም ዘርኣይ፡ ምስ ፊሊፒናዊት ጋንታ ሰቨን ኢለቨን ዝወዳደሩ ኣኽሊሉ ገብረህይወትን ኤቨን የማነን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ጀነራል ስቶር ኢሰንግቢ ዝወዳደር ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ይርከብዎም። ምስ ናይ ዩሴኣይ ጋንታ ብምዃን ዝወዳደር ዘሎ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማን፡ ኬቨን ተኽለማርያም፡ ያፌት ምሉግታን'ውን ጽባሕ፡ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ መን ነገሰ ከፍልጡ ክረጋረጉ እዮም። ናይ ሎሚ ዓመት ዓቐበት ፎርቶ ምስ ዘይምህለዋ፡ ከም ቢንያም ግርማይ ዝኣመሰሉ ናይ ሽኳ ተቐዳደምቲ ክኸስብሉ ዝኽእሉ'ዩ ተባሂሉ ይግለጽ'ዩ። ቢንያም ግርማይ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ ድሕሪ ምዃኑ ኣብ ኣስመራ ክወዳደር እዚ ናይ ፈለማ'ዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ደገ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ'ውን ኣብዛ ውድድር እዚኣ'ዮም ምስ ደገፍቶም ዝርኣኣዩ። ቢንያም ግርማይ ክሳብ መወዳእታ ትውዕል ጕጅለ እንተ ጸኒሑ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘለዎ ብቕዓት፡ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ከም ዘለዎ ብብዙሓት ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ። እንተዀነ፡ ኣብ ታሪክ ቻምፕዮን ኤርትራ ብቕጽበታዊ ውድድር ክዛዘም ሳሕቲ'ዩ ዝርአ። እታ እንኮ ብቕጽበታዊ ውድድር ዝተወድአትላ ኣብ 2008 እያ ነይራ። ዳንኤል ተኽለሃማኖት ከኣ ተዓዋቲ ኰይኑ። ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እንተ ወሲድና ኣብ 2022 መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሃዲሞም ብምውዓል'ዮም ብዘይ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ኣትዮም። ኣብ 2023 ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ንሓድሕዶም እናተሓላለዉ ጸወታ ክዛዘም 4 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓወት ኣማንን ጴጥሮስ መንግስን ብምህዳም ብዘይ ተቓጻጺ ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ኣትዮም። ኣብ 2024'ውን ብተመሳሳሊ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን በይኖም ተፈልዮም ንነዊሕ ድሕሪ ምዝዋር፡ ጸወታ ክዛዘም ውሑዳት ምስ ተረፎ ናትናኤል ኣብ ከባቢ ኢንሹራን እስኳቶ ብምግባር ብዘይ ተቓጻጺ'ዩ ቀዳማይ ኰይኑ ኣትዩ። ሎሚ ዓመት ከም ቀደሞም ብምብታኽ ዋላስ ብቕጽበታዊ ውድድር'ያ ክትዛዘም ንምፍላጥ ውሑዳት ሰዓታት'የን ኣብ ቅድሜና ዘለዋ። ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር እቲ ካልእ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ዝግመት ተቐዳዳማይ'ዩ። ኣማኑኤል ሎሚ ዓመት ኣብ ቮልታ ላ ኮሙኒታ ቫላንሽያ፡ ቱር ዩኤኢ፡ ተሪኖ ኣድርያቲኮ፡ ቮልታ ካቶለንያ፡ ቱር ልፕስ፡ ቱር ሮማንዲ፡ ክራትርዮም ዶ ፊነ ብምውድዳር ንጋንትኡ ዝገበሮ ኣበርክቶ ብምርኣይ፡ ነቲ ኣብ 2014 ዝተጐናጸፎ ቻምፕዮንነት ኤርትራ ጽባሕ ድሕሪ 11 ዓመታት ክደግሞ ግዚኡ እዩ ዘብል'ዩ። 2018 ከምኡ ከኣ 2022 ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ'ውን ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ምስቲ ኣብ ኣብ 2011፡ 2012 ከምኡ ከኣ 2016 ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክመዓራረ ይኽእል'ዩ። እንተዀነ መርሃዊ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠሞ ከቢድ መውደቕቲ ነዚ ውድድር ድሉው ኣሎ ድዩ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ'ዩ። እቲ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነን ኣብ ጐልጐል፡ ዓቐበትን ቅጽበታዊ ውድድርን ድንቂ ብቕዓት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ካዛኮኢስታ ሄኖክ ምሉብርሃን'ውን ጸወታ ኣብ ምንባብ ብዘለዎ ዓቕሚ ዘለዎ ህልው ብቕዓተን ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ውድድር'ዚ ክዕወተሉ ዝኽእል ግዜ ሕጂ'ዩ ዘብል'ዩ። ሄኖክ ጽባሕ ምስ ዝዕወት፡ ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ ክንሱ ቻምፕዮን ኤርትራ ስለ ዘየበለ ግን በዅሪ ዓወቱ'ያ ክትኰነሉ። ምስ ቱርካዊት ጋንታ ኢስታንቡል ቡየክሺር፡ ዝወዳደር ዘሎ ገዲም ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ'ውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓወት ውድድር ካብቶም ዓቢይ ኣቓልቦ ዝወሃቦም ተቐዳደምቲ'ዩ፣ ናትናኤል ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2019 ቻምፕዮን ኤርትራ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ 2021 ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ'ውን ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ካብ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ዝስራዕ ተቐዳዳማይ'ዩ። ጸወታ ብቕጽበታዊ ውድድር ምስ እትውዳእ ከኣ ወዲ ጋንትኡ ንዳዊት ሚልክያስ ማእከለ በሎኽ ናይ ምባል ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን ከም ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ መዋእል ግርማይ፡ ሄብሮን ብርሃነ፡ ዳንዮም ፍጹምብርሃን፡ ጴጥሮስ መንግስ፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ሚልክያስን ክልኦትን ዓቢይ ምትህልላኽ ከርእዩ ተስፋ ይግበር። ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀነ ተቐዳዳማይ ዓመት ምሉእ ኣብ ዘካይዶ ውድድራት ብባንዴራ ሃገሩ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ'ዩ ውድድራቱ ከካይድ። ምንጪ ስእሊ,Getty Images መግለጺ ስእሊ,ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝወከሉ ተቐዳደምቲ ቻምፕዮን ኤርትራ ንምዃን ንሓድሕዶም ክጋጠሙ'ዮም ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ 2024፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2023፡ ዓወት ኣማን 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ 2021፡ ዳዊት የማነ 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ 2014፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር 2013፡ ሜሮን ተሾመ 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
For advertisement: 510-931-9107
Copyright © 2025 Usfijitimes. All Rights Reserved.